ኣብ ቤጽ መራኸብቲ ስራሕ ምሳና ርክብ ንምግባር
ኣገልግሎት ብሽወደንኛን ትግርኛን
ብቴለፎንን ብኢመይልን ካብ ፈላጣት መራኸብቲ ስራሕ ሓገዝ ትረክብ።
ኣብ መዓልታት ስራሕ ሰዓት 8-16።
ቍጽሪ ቴለፎን፡ 0771-416 416
እቲ ንዓኻ ዝቐረበ ቤ/ጽ መራኸብቲ ስራሕ ርኸብ
እቲ ንዓኻ ዝቐረበ ቤት ጽሕፈት ርኸብ (እዚ ገጽ ብሽወደንኛ’ዩ)
ነዞም ኣብ መደብ መትከል-እግሪ ዘለኹም
ኣብ መደብ መትከል-እግሪ ትሳተፍ እንተ ኾይንካ፡ ብተወሰኽቲ ሓሙሽተ ቋንቋታት ደገፍ ንህብ ኢና።
ሰዓታት ስራሕ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ሰዓት 10-16 እዩ።
ክፍሊ ኣገልግሎት ኣብዞም ዚስዕቡ ኪሕግዘካ ይኽእል፡-
- ኣብ ቤ/ጽ መራኸብቲ ስራሕ ንምምዝጋብ ዘድሊ ደገፍ
- ከመይ ጌርካ ክፉት ቦታ ስራሕ ከም ትረክብ ዚሕግዝ ምኽሪ
- ከመይ ጌርካ ስራሕ ናይ ምድላይ ክእለትካ ከም ተመሓይሽ ዚሕግዝ ምኽሪ
- ኣብ ፕላትስባንከን (Platsbanken) ከመይ ጌርካ ስራሕ ከም እተናድይን፡ ጠለብ ስራሕ ከመይ ጌርካ ከም ተቕርብን
- ብዛዕባ ኵነታትካን ካባና እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ትረክብን ምስ መራኸብቲ ስራሕ ምዝታይ
- ብዛዕባ መደባትናን ጻዕርታትናን፡ ብዛዕባ ትምህርትን ሙያን ከምኡውን፡ ብዛዕባ ውሕስነት ሸቕለኣልቦነት ዚምልከቱ ሓፈሻውያን ሕቶታት መልሲ ምርካብ