ኣብ መደባት ቅድመ ኹነታት ካሕሳ

ኣብቲ መደብ እንትሳተፉን ደገፍ ንጥፈት (aktivitetsstöd)፣ ደገፍ ዕብየት ወይከዓ መትከል እግሪ (utvecklings- eller etableringsersättning) እንትቕበሉን፤ ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ ብንቕሓት ክእልሹን በቢወርሑ ፀብፃብ ንጥፈት (aktivitetsrapport) ከእትዉልናን የድልዮም። መጠንቀቕታ ናይ ምቕባልን ንሓደን ካብኡ ንላዕልን መዓልትታት ብዘይጥቕማቕምታት ናይ ምፅናሕን ስግኣት ንምውጋድ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣብዚ ከንብቡ ይኽእሉ።

እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም እንሆ

ኣለሻ ስርሖም ብሕማቕ ኣገባብ ናይ ምክያድን ንሓደን ካብኡ ንላዕልን መዓልታት ብዘይካሕሳ ናይ ምፅናሕን ስግኣት ንምውጋድ፣ ብንቕሓት ስራሕ ክእልሹን ምሳና ዘለዎም ትልሚ ክኽተሉን የድልዮም። ካብ ኣቕረብትና ብሓዲኦም ዝድገፉ እንተኾይኖም፣ ኣብኡ ምስ ዘሎ ተቖፃፃሪኦም ዘለዎም ትልምን ስምምዓትን እውን ክኽተሉ የድልዮም።

እዚ ማለት፦

  • ብንቕሓት ዝስማዕምዕዎም ስራሕቲ ምእላሽ የድልዮም (ብዘይካ፤ ኣብ ናተይ ገፃት (Mina sidor) ኣብ ዝረኽቡዎ፤ ትልሚ ግብሮም ብኻልእ እንተዘይተገሊፁ)፦ ዝተወዓውዑ ስራሕቲ፣ ንሕና ንኸመልክቱ ዘማኸርናዮም ወይ ዘተባባዕናዮም ስራሕትን ከም ዝርዝር ተመክሮ ምስ ወሃብቲ ስራሕ ብምግዳፍ፤ ብዓርሰ ተበግሶ ዝተገበሩ መመልከትታትን።
  • ንኸመልክቱ ናብ ዘተባባዕናዮም (ዝሓበርናዮም) ስራሕቲ ወይ ኮርስ ስልጠናታት ምምልካት የድልዮም
  • ዘመልከቱዎም ስራሕትን ካልኦት ዝገበሩዎም ንጥፈታትን ብምዝርዛር ሕድሕድ ወርሒ ኣብ መንጎ ዕለት 1ን 14ን ብዘሎ እዋን ፀብፃብ ንጥፈት ናባና ምእታው የድልዮም።
  • ስራሕ ከመይ ከም ዝርከብ ትልሚ ግብሪ ንምድላው ምስና ምስራሕ የድልዮም
  • ኣብ መደቦም ኣብ ንጥፈታት ምስታፍ የድልዮም
  • ምሳናን ምስ ኣቕረብትናን ኣብ ኣኼባታት ምስታፍ የድልዮም
  • ንኽንድውለሎም ምስተስማዕምዑ ቴሌፎኖም ምልዓል የድልዮም
  • ንዓናን ንኣቕረብትናን ኣብ ቆፆሮ ሰዓታት ምርካብ የድልዮም።

ስራሕ ኣልቦነቶም ናይ ምንዋሕን ንዝተወሰኑ መዓልታት ብዘይ ካሕሳ ናይ ምፅናሕን ስግኣት ንምቕናስ፤ ነዞም ዝስዕቡ ክቕበሉ ኣለዎም፦

  • ዝቐረቡሎም ስራሕቲ
  • ንኸመልክቱ ዝጋበዝናዮምን ተቐባልነት ዝረኸብሉን ስልጠና
  • ቃለ-ምሕተት ስራሕ፤ ዕድል ስራሕ ንምርካብ እውን ዝከኣሎም ምግባር
  • ኣብ መደቦም ዝቐርብሎም ንጥፈታት።

ኣብቶም ስራሕቲ ተመክሮ ወይ ስልጠና እንተልዩዎም ተስማዕማዕቲ እዮም። ምስ ክእለታቶም ዝዛመዱ ካልኦት ስራሕቲ እውን ተስማዕማዕቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዝተፈላልዩ ሞያታት ንስራሕ ብምምልካት ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ከዕብዩ ይኽእሉ እዮም። እዚኦም ክዉን ዝኾነ ናይ ምርካብ ዕድል ዘለዎም ስራሕቲ ክኾኑ ከም ዘለዎም የስታውሱ። ንሶም ዘይብሎም ፍሉይ ስልጠና፣ ውሱን ደረጃ ትምህርቲ፣ ሰርቲፊኬሽን ወይ ኣካዳሚያዊ ብቕዓት ዝሓትቱ ስራሕቲ ተስማዕማዕቲ ኣይኮኑን።

ወሃቢ ስራሕ ትኽክለኛ ክእለት ኣለዎም ኢሉ እንተኣሚኑን ክቖፅሮም እንተደልዩን ተስማዕማዒ ስራሕ እዩ።

ብምኽንያት ጥዕና ናብ ሓደሓደ ዓይነት ስራሕቲ ከመልክቱ ወይ ክቕበሉ እንተዘይክኢሎም፣ ንዕኡ ንምርግጋፅ ናይ ሕክምና ወረቐት የድልዮም እዩ።

ኣብ መደብ እንትሳተፉ ከመልክትዎም ዝግባእ በዝሒ ስራሕቲ በቲ ዘለዉዎ መደብ ይውሰን። ስራሕ ቀልጢፎም ናይ ምርካብ ፅቡቕ ዕድል ንኽህልዎም ናብ ክንደይ ዝኣኽሉ ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ ከመልክቱ ከም ዘለዎም ትልሚ ግብሮም ክገልፅ ይኽእል እዩ፤ ንኣብነት 6-20። እቲ ዝነኣሰ ቁፅሪ ንሕና ብንቕሓት ተስማዕማዕቲ ስራሕ ኣሊሾም እዮም ኢልና ንኽንሓስብ ክእልሹ ዘለዎም ዝነኣሰ ቁፅሪ ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ የርእይ።

ብመዓልታዊ ናይ ጉዕዞ ርሕቀት ስራሕ ናይ ምርካብ ጽቡቕ ዕድል ከም ዘይብልኩም እንተገምጊምና ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ ክተናድዩ ኣለኩም። መዓልታዊ ናይ ጉዕዞ ርሕቀት፣ ብልሙድ ኣብ ውሽጢ 12 ሰዓታት ናብ ስራሕ ተጓዒዝኩም፣ ሰሪሕኩም ካብኡ ድማ ናብ ገዛ ክትምለስሉ እትኽእሉ ርሕቀት ማለት እዩ። ሕጂ ኣብ ዘለኹምሉ ሞያ ስራሕ ናይ ምርካብ ጽቡቕ ዕድል ከም ዘይብልኩም እንተገምጊምና ኣብ ካልኦት ሞያታት ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ ክተናድዩ ኣለኩም። ትልሚ ስጉምትኹም ኣባኹም እንታይ ከም ዝትግበር ይገልጽ እዩ።

ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ኣብ ሓደሓደ ኩነታት ኣብ መደብ እንዳተሳተፉ ስራሕ ምእላሽ ከም ዘየድልዮም ክግምግም ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ትልሚ ግብሮም ክግለፅ ኣለዎ። እንታይ ከም ዝትግበር ርግፀኛ እንተዘይኮይኖም ክሓትቱና ይኽእሉ እዮም።

ኩሎም ዘመልከትዎም ስራሕቲ ኣብ ፀብፃብ ንጥፈቶም ከም ዝመልእዎም ርግፀኛ ይኹኑ፡ ዝተወዓውዑ ስራሕቲ፣ ዓርሰ ተበግሶኣዊ መመልከትታት ወይከዓ ንሕና ንኸመልክቱ ዘተባበዕናዮም ወይ ዘማኸርናዮም ስራሕቲ። ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ ብንቕሓት ከም ዝኣለሹ ንምግምጋም ፀብፃብ ንጥፈቶም ንዓና ኣገዳሲ መሰረት እዩ።

ሓደሓደ ግዘ ኣብ ፀብፃብ ንጥፈቶም ኣመልኪተ እየ ኢሎም ናብ ዘፍለጡዎም ስራሕቲ ከም ዘመልከቱ ንምርኣይ ክትትል ንገብር ኢና። ስለዚ ናብቶም ስራሕቲ ከም ዘመልከቱ ንምርኣይ እንተንኣሰ ናይ ሰለስተ ወርሒ ዝኾኑ ደገፍቲ ሰነዳት ምዕቃብ ኣገዳሲ እዩ።

ንመረጋገፂ እንተተመሪፆም ደብዳበ ክንልእኸሎም ኢና። እቲ ደብዳበ ኣየኖት ስራሕቲ ከም ዘመልከቱ ከርእዩ ከም ዘለዎም ክነግሮም እዩ። ከመይን እንተቐረበ መዓዝን ክምልሱ ከም ዘለዎም እውን ክንነግሮም ኢና።

ነዞም ዝስዕቡ ብምእታው ናብ ስራሕ ከም ዘመልክቱ ከርእዩ ይኽእሉ እዮም፤ ንኣብነት፦

  • መመልከቲኦም ወይከዓ ዝርዝር ተመክሮ
  • ናብቲ ስራሕ ከም ዘመልከቱ ዘርእይ ካብቲ ወሃቢ ስራሕ ዝተወሃቦም ምላሽ ወይከዓ እቲ ወሃቢ ስራሕ መመልከቲኦም ከም ዝበፅሖ ዘርእይ ዝኾነ ዓይነት ካልእ ሰነድ
  • ናብቲ ስራሕ ከም ዘመልከቱ መረጋገፂ ስክሪንሾት።

ናብቶም ስራሕቲ ከም ዘመልከቱ ዘርእዩ እንተንኣሰ ናይ ሰለስተ ወርሒ ዝኾኑ ደገፍቲ ሰነዳት ይዓቅቡ። ብእዋን እንተዘይመሊሶም ወይከዓ ናብ እኹል ስራሕቲ ከም ዘመልከቱ ከርእዩ እንተዘይክኢሎም፣ መጠንቀቕታ ክቕበሉ ወይከዓ ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መዓልትታት ካብ ካሕሳ ክእገዱ ይኽእሉ እዮም።

ክገብርዎ ዝግባእ እንተዘይገይሮም ከምዚ እዩ ይኸውን

ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ኣብቲ መደብ ንካሕሳ ዝኾኑ ቅድመ ኹነታት ከም ዘማልኡ የረጋግፅ። ኣለሻ ስርሖም ብሕማቕ ኣገባብ እንተካይዶም ወይከዓ ስራሕ ኣልቦነቶም እንተናዊሖም፤ ናብ መጠንቀቕታ ወይከዓ ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መዓልትታት ካብ ካሕሳ ናብ ምእጋድ ከምርሕ ዝኽእል ምርመራ ንጅምር ኢና።

ካብ ኣቕረብትና ብሓዲኦም ዝድገፉ እንተኾይኖም፤ ኣብ ንጥፈታት ወይ ኣኼባታት እንተዘይተረኺቦም ወይከዓ ብኻልእ መልክዕ ንመርኃግብሮም እንተዘይተኸቲሎም፣ ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ናይ ምፍላጥ ግዴታ ኣለዎም እዩ። ንሶም ዝገበርዎ ዝኾነ ነገር ስራሕ ኣልቦነቶም ንኽናዋሕ ዝገብር እንተኾይኑ ከፍልጡና ኣለዎም። ተቖፃፃሪኦም ንምኽንያት ብኲራት ፍሉይ ኩነታት ወይ ሸለልታ ክገብር ኣይኽእልን፤ ኮይኑ ግና ኩሉ ነገር ናባና ፀብፃብ የቕርብ።

ንሕና ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ምርመራ እንተጀሚርና ብደብዳበ ክንረኽቦም ኢና። ካብኡ ቅድሚ ናይ መወዳእታ ውሳነ ምውሳንና ተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ምቕራብ ዕድል ይህልዎም።

ተወሳኺ ሓበሬታ የቕርቡ (ብሽወደንኛ)

  • መጀመርያ ግዜ መጠንቀቕታ ይውሃበካ።
  • ካልኣይ ግዜ፡ ናይ 1 መዓልቲ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሳልሳይ ግዜ፡ ናይ 5 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ራብዓይ ግዜ፡ ናይ 10 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሓምሻይን ነፍሲ ወከፍ ዝስዕብ መዓልትን፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ። እንድሕሪ እቲ ናይ መተካእታ ገንዘብካ ኣብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት መተካእታ ገንዘብ (arbetslöshetsersättning) ዝተመሰረት ኾይኑ ድሕሪ እቶም 45 መዓልታት ናብ 223 ኮርና ይወርድ።

  • መጀመርያ ግዜ፡ ናይ 5 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ካልኣይ ግዜ፡ ናይ 10 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሳልሳይ ግዜ፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ራብዓይን ነፍሲ ወከፍ ዝስዕብ መዓልትን፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ። እንድሕሪ እቲ ናይ መተካእታ ገንዘብካ ኣብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት መተካእታ ገንዘብ (arbetslöshetsersättning) ዝተመሰረት ኾይኑ ድሕሪ እቶም 45 መዓልታት ናብ 223 ኮርና ይወርድ።

እንተሰሪሖምን ናይ ስራሕ ቅድመ ኹነት እንተማሊኦምን

እንዳሰርሑን ናይ ስራሕ ቅድመ ኹነት ኣማሊኦም እንተነይሮምን፤ እዚ ናይ ሒደት መዓልትታት እገዳ ወይ መጠንቀቕታ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ብሰንኪ ተደጋጋሚ እገዳታት ካሕስኦም ተቐኒሱ እንተኾይኑ፤ ናይ ስራሕ ኩነታት እንተማሊኦም፣ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) መጠን ካሕስኦም ናብ ዝነበሮ ክምልስ ይኽእል እዩ።

ናይ ስራሕ ቅድመ ኹነታት ከም ዘማልኡ ዝውስን ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነቶም (a-kassa) እዩ። ንሶም ከምዚ ንኽገብሩ ነቲ ቅጥዒ ብምምላእ ናብ ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነቶም ክልእኽዎ የድልዮም፦

ናይ ስራሕ ቅድመ ኹነታት ሰርቲፊኬሽን ንምርካብ ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት ይሕተቱ (ብሽወደንኛ) Pdf, 1012 kB.

ካብ ካሕሳ እንተተኣጊዶም SGIዮም ብኸመይ ከም ይፅለው

ነቶም ቅድመ ኹነታት ዘየማልኡ እንተኾይኖምን ካሕሳ ካብ ምቕባል እንተተኣጊዶምን፣ እዚ ናይ ሕማም ጥቕማጥቕሚ መማልኢ ኣታዊ (SGI) ናይ ምርካብ መሰሎም ክፀልው ይኽእል እዩ። ናይ SGI ቅጥዕታቶም፤ ንኣብነት ኣብ ወለድኣዊ ዕረፍቲ እንተኾይኖም ንኽንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዝረኽቡ መሰረት እዮም። ብዛዕባ እዚ ዝኾነ ሕቶ እንተልዩዎም ንኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ይርከቡ።

ውሳነና ጌጋ እዩ ኢሎም እንተሓሲቦም

ግጉይ ውሳነ ከም ዝወሰንና እንተሓሲቦም ደጊሙ ንኽረኣየሎም ክሓትቱ ይኽእሉ እዮም። ነቲ “ናይ መጠንቀቕታ ወይ ማዕቐብ ውሳነ ዳግማይ ንኽረአ ጥያቐ” (Begäran om omprövning av beslut om varning eller sanktion) ዝብል ቅጥዒ መሊኦም ናባና ይስደዱ።

ውሳነ ዳግማይ ንኽረአየሎም ይሕተቱ (ብሽወደንኛ)

ብኲራት ምፍላጥ

ኣብ ዝሓመሙሉ ወይከዓ ዝሓመመ ህፃን ዝሕብሕቡሉን ኣብ መደቦም ክሳተፉ ዘይኽእልሉን ናይ መጀመርያ መዓልቲ ከፍልጡና የድሊ። ናይ ዕረፍቲ ግዘ እንተደልዮም መጀመርያ ክረኽቡናን (ብሽወደንኛ) ክፀድቀሎምን ኣለዎ።

እንትሓምሙ ብኲራት የፍልጡ

ህፃን ናይ ምሕብሓብ ብኲራት (VAB) የፍልጡ

ከም ደንቢ፣ ኣብ እዋን እቲ መደብ ኣብ ወፃእ ሃገር ምዃን ኣይፍቀድን። ሓደሓደ ፍሉያት ኩነታት ኣለዉ። ከምዚ እንከሎ ካብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ፍቓድ ከይረኸቡ ናብ ወፃእ ሃገር እንተተጓዒዞም፣ ኣብቲ መደብ ዘለዎም ቦታ ክስእኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ማለት ካሕስኦምን ኣብቲ መደብ ኣብ ዘለዉ ንጥፈታት ናይ ምስታፍ ዕድሎም እውን ይስእኑ ማለት እዩ።

ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታትን መልስታትን

ኣብ መደብ እንትሳተፉ፤ ዋላ እኳ ትልሚ ግብሮም ስራሕ ምእላሽ ከም ዘየድልዮም እንተገለፀ ሕድሕድ ወርሒ ፀብፃብ ንጥፈት ከእትዉ ኣለዎም። ክፅብፀቡ ዘለዎም ካልኦት ንጥፈታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።

ክፅብፅብዎ ዝኽእሉ ምንም ነገር እንተዘየልዩ፣ ነዚ ኣብ ፀብፃብ ንጥፈቶም የመልክቱ።

ናይ ንግዲ መጀመሪ ደገፍ እንተተቐቢሎም፣ ነዚ ደገፍ እንዳተቐበሉ ንጥፈት ከፍልጡ ኣየድልዮምን። ኣብ መደብ መትከል እግሪ (etableringsprogrammet) ኣብ ብርኪ ገምጋም እንዳተሳተፉ እንተኾይኖም ወይከዓ ኣብ ትካል ኣብ ስልጠና እንዳተሳተፉ እንተኾይኖም እውን ንጥፈት ከፍልጡ ኣየድልዮምን።

ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ምስኦም ዝግበር ሓፈሻዊ ኣተላልማ ናይ ምትላምን ምዕባለኦም ናይ ምክትታልን ሓላፍነት ኣለዎ። ምስ መቕረባይ እንዳሃለዉ ኣኼባታት ክንውጥን ንኽእል ኢና፤ ኣብዞም ኣኼባታት ድማ ክሳተፉ የድሊ።

ሕድሕድ ወርሒ ናባና ፀብፃብ ንጥፈት ምቕራብ ክቕፅሉ ኣለዎም። እዚ፣ ኣለሻታት ስርሖም ኣብቲ መቕረባይ ናብ ዘሎ ተቖፃፃሪኦም እንተፀብፂቦም እውን ይትግበር እዩ።

እንተሓሚሞም ወይ ዝሓመመ ህፃን ንምሕብሓብ ኣብ ገዛ ክፀንሑ እንተድልዩዎም፣ ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ኣብ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ምርካቦም ኣገዳሲ እዩ። ንተቖፃፃሪኦም እውን የፍልጡ።

እንትሓምሙ ብኲራት የፍልጡ

ህፃን ናይ ምሕብሓብ ብኲራት (VAB) የፍልጡ

ስራሕ እንተረኺቦም ወይ ትምህርቲ እንተጀሚሮምን ኣብ መደቦም ምፅናሕ እንተዘየድልዩዎም ወይ ብኻልእ ምኽንያት ነቲ መደብ ክቕፅሉ እንተዘይደልዮም ወይ እንተዘይክኢሎም እውን ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ክረኽቡ ኣለዎም።

ምኽንያት ብኲራቶም ብዘየገድስ፣ እንተርፊዶም ወይ ኣቐዲሞም እንተወፅዮም ውልቃዊ መምህሮም ንዓና ከፍልጥ ኣለዎ። ነቲ ምኽንያትን ብኲራቶም ዕለታዊ ንጥፈቶም ንምስኻዕ ኣብ ዘለዎም ዓቕሚ ዘሕደሮ ፅልዋን ክንምልከት ኢና። ሕማቕ ባህሪ ከም ዘርአዩ እንተፈሪድና መጠንቀቕታ ክበፅሖም ይኽእል እዩ ወይ ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መዓልታት ብዘይ ካሕሳ ክፀንሑ ይኽእሉ እዮም።

ብምኽንያት ቆፆሮ ሕክምና ናይ ሙሉእ መዓልቲ ዕረፍቲ እንተደልዮም፣ መጀመርያ ንዓና ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ረኺቦም ክፀድቀሎም ኣለዎ። ኣብታ መዓልቲ ከም ዘይካፈሉ ንኽፈልጡ እውን ንተቖፃፃሪኦም ከፍልጡ ኣለዎም። ካብ ሙሉእ መዓልቲ ንዝነኣሰ ዘብኲሩ እንተኾይኖም፣ ንመቕረቢኦም ጥራሕ ምፍላጥ እኹል እዩ።

ዕዮ ገዛ በእዋኑ እንተዘየእትዮም ውልቃዊ መምህሮም ከፍልጠና ኣለዎ። ሕማቕ ባህሪ ከም ዘርአዩ እንተኣሚንና መጠንቀቕታ ክበፅሖም ይኽእል እዩ ወይ ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መዓልታት ብዘይ ካሕሳ ክፀንሑ ይኽእሉ እዮም።

ሕቶታቶም ንክፍሊት፣ መጠን ካሕሳ ወይከዓ ናይ ካሕሳ መመልከቲ ከመይ ከም ዝምላእ ዝምልከቱ እንተኾይኖም፣ ንኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ክረኽቡ ኣለዎም።

ደገፍ ንጥፈትን ደገፍ ዕብየትን (forsakringskassan.se) (ብሽወደንኛ)

ካሕሳ መትከል እግሪ (etableringsersättning) (forsakringskassan.se) (ብሽወደንኛ)

ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ደብዳበ በፂሑዎም ድዩ እሞ ከዓ ሕቶታት ኣለዉዎም? ወይ ንምንታይ ናይ መጠንቀቕታ ወይ እገዳ ውሳነ ከም ዝተቐበሉ ይገርሞም ዶ ኣሎ? ኣብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ንዘሎ ኣሃዱ ገምጋም ካሕሳ ይርከቡ። መራኸቢ ዝርዝራት ኣብቲ ደብዳበ ክርከቡ ይኽእሉ።

ብዛዕባ እቶም ቅድመ ኩነታትን ካሕሳ ናይ ምስኣን ስግኣት ንምውጋድ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎምን ሕቶታት እንተልዮምዎም፣ ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ክረኽቡ ኣለዎም።

ይርከቡና (ብሽወደንኛ)